ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 መሕለፊ ነጥቢ ናይ ዘመዝገቡ ተመሃሮ ቊጽሪ ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ22 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ ካብ መባእታ ክሳብ 2ይ ደረጃ 49 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 140 ሽሕ ተመሃሮ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ይከታተሉ ከምዘለዉ፣ መጠን ምሕላፍ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ካብ 93 ክሳብ 95 ሚእታዊት፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓመት፡ ብዝሒ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ብፍላይ ኣብ 1ይ ክፍሊ ከምዝወሰኸ ዝጠቐሰ መምህር በላይ፡ ኣብ ኩለን ደረጃታት ትምህርቲ መጠን ምትራፍን ምቁራጽን ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ከምዝነከየን ትሕቲ 10 ሚእታዊት ከምዝዀነን ብምምልካት፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ብልጫታት ዓቂብካን ድኻማትካ ፈዊስካን ክስራሕ፣ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ናይ ወለዲ ድማ ብፍላይ ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት፡ ውሽጣዊ ብቕዓት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝተኻየደ ጻዕርታት ብዝምልከት – ምስናይ ብድሆታቱ ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂታት ኣቕሪቦም።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ብምዝታይ፡ ሓገዝቲ ሓሳባት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ መደብ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣብያተትምህርቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ንዝወሃብ ስልጠናታት ከየተጸበያ፡ ብውሽጣዊ ዓቕመን ብቕዓት መማህራን ዝድርዕ ስልጠናታት ክውድባ ኣዘኻኺሩ።

Categories