ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ዓዲ-ዃላ ንምፍታሕ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ከምዝስራሕ – ብ14 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሰሞሞን ማይ-ላፎን ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ኣብ 2021 ዝተዃዕተት ሓዳስ ዒላ ኣብ መፈጸምታ ክትበጽሕ፣ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ መስመራት ማይ ብሓድሽ ክቕየርን ዝርጋሐኡ ክሰፍሕን፣ መከፋፈሊ ባስካ ክስራሕን ሓድሽ ጀነሬተር ክዕደግን መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ መደባት፡ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ዓንደመስቀል፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይና ዘላ መሕረዲ እንስሳ ጽገና ክግበረላን ኣብ ማእከል ከተማ ህዝባዊ ዓይኒ-ንድሪ ክስራሕን ወጺኡ ኣብ ዘሎ ውጥን፡ ነበርቲ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ነቲ ብምምሕዳር ዝወጽአ መደባት እትከታተል ኮሚተ ልምዓት ድሕሪ ምምራጽ፡ ዝከኣሎም ክገብሩ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

Categories