ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍልጦን ግንዛበን ኣብ ሕጊ ትራፊክ ንምዕባይ፡ ኣብ ባጽዕ ንተመሃሮ ጐስጓሳዊ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ናይ’ቲ ዞባ፡ ሜጀር ንርኣዮ ጸጋይ፡ ኣብ ሕግን ተመሃሮን ከምኡ’ውን ኣብ ዝምድና ተመሃሮን ፖሊስን ኣትኲሩ መብርሂታት ድሕሪ ምሃብ፡ ዝውደቡ ኣነቓቓሕቲ ኣስተምህሮታት – ኣብ ምንካይ ሓደጋታት ትራፊክ ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዘለዎም፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሎም ምዃኑ ሓቢሩ።

ዝበዝሑ ሓደጋታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ዝስዕቡ ምዃኖም ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክ ዘሎ ንቕሓትን ኣፍልጦን ክብ ብምባል፡ ንምውጋዶም ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ እውን፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ሕጊ ንምብራኽን ሳዕቤናት መመላኽዒ ክሬማት ንምብራህን፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ካፒተን እስቲፋኖስ ኪዳነ፡ ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ስለዘየድሕን፡ ተመሃሮ ጐድኒጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ንሕጊ ብግቡእ ክፈልጥዎን ብቅኑዕ ስነ-ምግባር ክመላለሱን ምዒዱ።

ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ዶ/ር ዓወት መብራህቱ ብወገኑ፡ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ሕማማት ቈርበትን ነባሪ በሰላን ዝኸውን ዘሎ መመላኽዒ ክሬማት፡ ሳዕቤኑ እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብንቕሓት ከወግዳኦ ሞያዊ ምኽሩ ለጊሱ።

Categories