ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ብ11 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን፡ ኣብ ታሪኽን ኣምር ሃገራውነትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበን፡ ልዕሊ 200 መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ሰሚናር፡ ኣብ ኣምር ሃገርን ሃገርነትን ሰፊሕ መግለጺ ዝሃበ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ኤርትራ ንፍሕሶታት ወረርትን ገዛእትን ብንቕሓትን ሓያል ጥምረትን መኪታ ሳላ ዘፍሸለት፡ ብዓወት በሪኻ ከምዝወጽአት ኣረዲኡ።

እዚ ታሪኽ ጅግንነት’ዚ፡ ብግቡእ ተጠርኒፉ ክስነድን ናብ ወለዶታት ክመሓላለፍን ምእንቲ፡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ታሪኽ ኤርትራን ቅያታት ህዝባን፡ ሓቅታቱን ዕምቈቱን ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ዝተሓልፈ መስገደላትን ዝተኸፍለ ዋጋን ኣብ መንእሰያት ብግቡእ እንተዘይሰሪጹ፡ ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝ ውዲት ዕድል ስለዝረክብ፡ መንእሰያት ኣብ ኣረዳድኣን ኣተሓሕዛን ታሪኽ ትኩራት ክዀኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ኣለምሰገድ፡ መንእሰያት ኣሰር ናይ’ቶም ብደሞም ታሪኽ ሰሪሖም ዝሓለፉ ወለዶታት ክኽተሉ፣ ታሪኽ ብስነ-ፍልጠታዊ ሜላ ከጽንዑ፡ ክመምዩን ክመራመሩን ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ታሪኽ ኤርትራ ብግቡእ ተኣኪቡን ተጠርኒፉን ክድብተር፣ ኣብ ኣጸሓሕፋ ዛንታን ታሪኽን ሓደ ዓይነት ቅዲ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ንኽህሉ ክስራሓሉ፡ ዝብልን ካልእን ርይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories