ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ሓባር ዝነበረ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ክፍሊ ሃብቲ ማይ ዓዲ-ሃሎን ብዘካየድዎ ናይ ሓባር ጻዕሪ፡ 12 ነቝጣታት መዐደሊ ዘለዎ ሓድሽ ፕሮጀክት ተዋዲዱ።

ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 10 ኪሎ-ሜተር ተጓዒዞም ውሕስነቱ ዘይተረጋገጸ ማይ ክሰትዩ ምጽንሖም ዝሓበሩ ነበርቲ፡ እቲ ጸገም ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ከቢድ ብድሆ ከምዝነበረ ገሊጾም።

ኣቐዲሙ – ኣብ 2017 ብምምሕዳርን ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባን 380 ፊስቶ ማይ ዝሕዝ ገንኢ ከም እተሰርሐ፣ ኣብ 2021 ድማ፡ ብክፍሊ ማይ ዓዲ-ሃሎ 1,800 ፊስቶ ዝኽዝና ክልተ ዓበይቲ ታንከራት ከምእተተኽላ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories