ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ውሸባ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ታረቀ ዑቕባሚካኤል ጐጀላ፡ ብ10 መጋቢት ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ታረቀ ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተመዲቡ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብልዑል ተወፋይነት ዘገልገል ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ታረቀ ዑቕባሚካኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ቀዳም 12 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ታረቀ ዑቕባሚካኤል ጐጀላ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories