ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ኩነታት ትምህርቲ ብሓፈሻ ውጽኢት ተመሃሮን ብቕዓት ትምህርትን ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ስራሓት ድማ ብፍላይ ንምዝታይ፡ ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ዋዕላ ኣቃኒዑ።

እቲ ዋዕላ፡ ኣካል ናይ’ቲ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምድንፋዕ ዝካየድ ጻዕሪ ምዃኑ ዝጠቐሰ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር ክፍላይ ዓንደሚካኤል፡ ብቕዓት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ውጽኢት ተመሃሮ ክብ ንምባልን፡ መማህራን ቤትትምህርቲ ዝሰረቱ ሓያል ጻዕሪን ወፍሪን ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ዝድለ ውጽኢት ክረጋገጽ፡ ርእሳነመማህራንን ሓለፍቲ ስነ-ምምህርናን ኣብነታውያን ኮይኖም ክመርሑ፣ ኣብ ውጥን ዝተመርኰሰ ኣሳታፊ ኣገባብ ኣመሃህራ ክድፋኣሉ፣ መርመራታት ብመንጽር ሓድሽ ሜላ ኣመሃህራ ክወጽእን ክዳሎን፣ መማህራን ብቕዓቶም ክብ ንምባል ብዕቱብ ክስራሕ፣ ርእሳነመማህራንን ተሓጋገዝቶምን ቤትትምህርቲ ዝሰረቱ ሓገዛት ክገብሩ ድማ፡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣሰራርሓን ኣገባብ ኣመሃህራን ክመጽእ ዝተደልየ ምምሕያሻትን ምስኡ ተሳንዩ ዝኸይድ ውጽኢት ተመሃሮን ንምግምጋም፡ ኣብ ዓመት ብጠቕላላ ኣርባዕተ ግዜ መምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክባት ክካየድ፡ ደፋኢን ኣማእዛኒን መምርሒ ተዋሂቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንመማህራን ስልጠናታትን ቊጽጽራዊ ሓገዛትን እናሃብካ፡ ህላወኦም ኣብ ክፍሊ ብምርግጋጽ፡ ክሽፈኑ ዝግብኦም ምዕራፋት ትምህርቲ ኣብ ግዜኦም ከምዝዛዘሙ
ንምግባር ክስራሓሉ፣ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ውጽኢቶም በሪኹ ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ብቕዓት ንኽበጽሑ ክዕየ፡ ሓባራዊ መረዳእታ ተበጺሑ።

Categories