ኣባል ተሓጋጋዚ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ – ኮሎኔል ዓቤ ሳልሕ ስዒድ፡ ብ9 መጋቢት ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዓቤ ሳልሕ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ከቢድ ብረትን ሓይሊ ባሕሪን ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ ኣዛዚ ኮማንዶ ክሳብ ኣዛዚ ማእከላይ እዚን ሓላፊ ኢንስፔክሽንን፣ ካብ 2011 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ፡ ኣብ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ – ኮሎኔል ዓቤ ሳልሕ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ 11 መጋቢት ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ተሓጋጋዚ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ኮሎኔል ዓቤ ሳልሕ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories