ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ህጻናት ‘ኦሮታ’፡ ብዘመናዊ መሳርሒታት ዝተደገፈ ዝምስገን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል – ፕሮፌሰር ጽገሬዳ ገብረህይወት ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል፡ በብእዋኑ ዝተፈላለየ መሳርሒታት ብሓፈሻ ናውቲ ነጸርታ ሕማማት ድማ ብቐንዱ ክተኣታቶ ምጽንሑ ዝጠቐሰት ፕሮፌሰር ጽገሬዳ፡ መንእሰያት ሞያውያን እውን፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ካብ ገዳይም ሓካይም ተመኲሮ እናደለቡ፡ ውጽኢታዊ ስራሕ የሰላስሉ ከምዘለዉ ኣረዲኣ።

እቲ ሆስፒታል ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህብ ሸውዓተ ክፍልታት ከምዘለዎ ጠቒሳ፡ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 120 ህጻናትን ቈልዑን ከምዝራኣዩ፣ ዝተፈላለየ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጽኡ ልዕሊ 10 ሽሕ ድማ ፍሉይ ክትትል ከምዝግበረሎም ገሊጻ።

ሕማማት ልቢን ንዓኡ ዝኸውን ኣገልግሎትን ብዝምልከት፡ ፕሮፌሰር ጽገሬዳ፡ ልዕሊ 20 ዓመት ዝገበረ ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሉን መብጣሕቲ ዝካየደሉን ክፍሊ ከምዘሎ፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ዕዉት መብጣሕቲ ልቢ ከም እተገብረሎም ሓቢራ።

ምስ ምትእትታው ‘ሲቲ-ስካን’፡ ዝነበረ ሕጽረት መመርመሪ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከም እተፈትሐን ርኡይ ጸገም ዝጸንሖም ህጻናትን ቈልዑን ቀዳምነት ከም ዝወሃቦምን እውን ኣገንዚባ።

Categories