ኣባል ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ ተወልደብርሃን (ደሻላይ)፡ ብ8 መጋቢት ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍሊ ትምህርቲን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ህግደፍን ሚኒስትሪ ምክልኻልን፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ ሚኪኤል ገብረስላሴ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ረቡዕ 9 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ተሓጋጋዚ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ሚኪኤል ገብረስላሴ (ደሻላይ) ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

Categories