ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ክሳብ 20 ለካቲት 2022 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት ንዝተዓወቱ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን፡ ምስ ዕማማቶምን ስልጣኖምን ዘላሊ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ብ17፡ 21ን 22ን ለካቲት ምስ’ቶም ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብመንግስቲ፡ ምምሕዳር ዞባን ንኡስ ዞባን ዝወጽኡ ኣዋጃት፡ ፖሊሲታት፡ መምርሒታትን መደባትን ምትግባርን ምክትታልን፡ ካብ ቀንዲ ዕማማቶም ከምዝዀነ ብምሕባር፡ መምርሒታትን ደረት ስልጣንን ብግቡእ እንተደኣ ተኸቲሎም፡ ኣብ ስሉጥነትን ጽፈትን ስራሕ እቲ ዝድለ ውጽኢት ክርከብ ከምዝኽእል እምነቱ ገሊጹሎም።

ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ምስ ኩሎም ኣካላት መንግስቲን ህዝቢን ግድነታዊ ርክብን ናይ ስራሕ ምትእስሳርን ስለዘለዎም፡ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ዓቢ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሑለን ሰለስተ ዓመታት፡ ብሕልፊ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምክትታል ብዕቱብ ክሰርሑ ተላብዩ።

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሃበሮ፡ ኣስማጥ፡ ሓመልማሎ፡ ዓዲ-ተከለዛን፡ ከረን፡ ዒላበርዕድ፡ ሓልሓልን ሓጋዝን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ብጠቕላላ 80 ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ 80 ኣካየድቲ ስራሕን 478 ኣነባበርቲ ዓድን ተመሪጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ ግና፡ ብሰንኪ ሰበኽሳግማዊ ህይወት፡ መስርሕ ምርጫ ተደናጒዩ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories