ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ መደባት መኸተ ንምዕዋት፡ በብሃገራውያን ውዳቤታቶም ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ፡ 250,650 ዩሮ ከምዝወፈዩ፡ ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ ነበርቲ ኣቡሩሶ 5,550 ዩሮ፡ ቦሎኛ 26,300 ዩሮ፡ ባሪ 10,950 ዩሮ፡ ብረሻ 1,900 ዩሮ፡ ፊረንሰ 21,800 ዩሮ፡ ጀኖቫ 1,200 ዩሮ፡ ካታንያ 7,300 ዩሮ፡ ሚላኖ 92,950 ዩሮ፡ ናፖሊ 10,100 ዩሮ፡ ፓርማ 6,350 ዩሮ፡ ፒዛ 3,700 ዩሮ፡ ፒስቶያ 2,100 ዩሮ፡ ፓሌርሞ 3,200 ዩሮ፡ ሮማ 45,350 ዩሮ፡ ቨሮና 4,700 ዩሮ፡ ነበርቲ ቶሪኖ ድማ 7,200 ዩሮ ኣበርኪቶም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣካየድቲ ኣካላት ጨንፈርን ንኡሳን ጨናፍርን ሃ.ማ.ደ.ኤ. ኣብ ኢጣልያ፡ ብ20 ለካቲት መንፈቓዊ ኣኼባ ኣካዪደን።

ኣብ’ቲ ብማንዛ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣደመንበር ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያ ወ/ሮ ንግስቲ ጸጋይ፡ ኣባላትን ኣካላትን ሃማደኤ፡ ምስ ሃገራውያን ማሕበራት ብምውህሃድ – መደባት ሃገራዊ መኸተ ንምዕዋት፡ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላወን ኣረጋጊጻ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ ድማ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ ተልእኾን መግለጺ ሂቡ።

Categories