ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርአ ዘሎ ለበዳ ኣንበጣ ገረብ፡ ቀጻሊ ክትትል ክግበረሉ ጸዊዑ።

ኣንበጣ ገረብ ብዘለዎ ፍሉይን ተቐያያርን ባህርያት፡ ከምኡ’ውን ብለይቲ ናይ ምንቅስቓስን ንኣግራብን ጀራዲንን ናይ ምጥቃዕን ጠባያት፡ ንምቍጽጻሩ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝገብሮ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ሓቢሩ።

ኣቶ ቴድሮስ፡ ለበዳ ኣንበጣ ገረብ፡ ዋላ’ኳ ብንኡስ መጠን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ሃገርና ክርአ እንተጸንሐ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ግና፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብስፍሓትን ብተደጋጋሚን ክርአ ብምጽንሑ፡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ህዝብን ልዑል ኣተኲሮ ሂቦም ክሰርሑሉ ተላብዩ።

እዚ ዓይነት ኣንበጣ ኣብ ዝተራእየሉ ከባቢታት፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ሓረስቶትን ሰብ ጀራዲንን ድማ ብፍላይ፡ ብዝቐልጠፈ ኣብ ቀረባኦም ንዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕርሻን ምምሕዳራትን ክሕብሩ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራ እትርከበን ብርክት ዝበላ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ እዋን ክራማት ከበሳን ባሕሪን ብኣንበጣ ምድረ-በዳ ከምዝጥቅዓ፣ እቲ ኣብ ውሱን እዋን ጥራይ ዝኽሰት ዝነበረ ተርእዮ ለበዳ ኣንበጣ ገረብ ድማ፡ ናብ ናይ ምሉእ ዓመት ዕማምን ስግኣትን እናተቐየረ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories