ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት፡ ኣፍልጦ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክብ ንምባልን ንቕሓተን ንምብራኽን ዝዓለመ – ካብ 1 ክሳብ 3 መጋቢት ሰሚናራት ኣካዪዱ።

ኣብ ኣዳራሻት ፖሊስ ኤርትራን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናራት፡ ግዝያዊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል ግርማይ ገብረሚካኤል፡ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ዝኾና ደቂኣንስትዮ፡ ጽልዋአን ተጠቒመን፡ ኣብ ትግባረን ተማእዛዝነትን ሕጊ መሪሕ ተራ ክጻወታ፡ ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ድማ እጃመን ከዕዝዛ ኣዘኻኺሩ።

ሌተናል ኮሎኔል ግርማይ፡ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽን ድሑር ልምድታትን ኣብ ምግታእ እውን፡ ብንቕሓት ክነጥፋ ኣተሓሳሲቡ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ “መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ተደሪኸን ክዓያ ተላብያ።

Categories