ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት ኣብ ዝተሰላሰለ ናይ ምግራብን ምዕቃብ ማይን ሓመድን መደብ – ካብ ዝተተኽሉ ልዕሊ 116 ሽሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልሲታት ገረብ፡ እቶም ልዕሊ 80% ከምዝጸደቑ ኣዋሃሃዲ ተማሃሮ ንልምዓት ናይቲ ዞባ መምህር ተስፋሂወት ግደ ሓቢሩ።

ማይ ኮዖታት ንምፍዋስ ዝተኻየደ ስርሓት 94% ዕውት ከምዝነበረ፡ እቲ ናይ ምግራብ መደባት ግን፡ ክራማት ኣብ ሓደ-ሓደ ንኡሳን ዞባታት ደንጉዩ ስለዝጀመረ ካብ’ቲ ዝወጽአ መደብ እቲ 65% ጥራይ ከምእተተግበረ ኣረዲኡ።

ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ሓምላይ ወፍሪ ንምዕዋት ዝካየድ ስራሓት፡ ተማሃሮ ሓድሕዳዊ ሓድነትን ናይ ምትሕግጋዝ ባህሪን ዘማዕብልሉ ባይታ ብምፍጣር፡ ናይ ስራሕ ባህሊ ከምዘጥርዩ ኣብ ምግባር ዝህልዎ ተራ እውን ቀሊል ከምዘይኮነ መምህር ተስፋሂወት ኣገንዚቡ።

Categories