ተመሃሮ ኮሌጅ፡ ንነፍሶም ካብ ዘይስነምግባራዊ ተግባራት፡ ከምኡ’ውን ካብ ገበናትን በደላትን ተሓዪቦም፡ ኣብ ምክልኻሉ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ጸዊዑ።

ብ2 መጋቢት ንተመሃሮ ኮሌጅ ምህንድስናን ተክኖሎጅን ማይ-ነፍሒ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ኮሎኔል መሓሪ፡ ኣብ ኮሌጃት በብእዋኑ ክራኣዩ ዝጸንሑ በደላትን ዘይስነምግባራዊ ተግባራትን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ፈጸምቶም ካብ ሕጊ ስለዘየምልጡ፡ ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ተቘጢቦም፡ ኣመት ትምህርቶም ክገብሩን መጻኢኦም ከጣጥሑን ኣተሓሳሲቡ።

ራኢ ፖሊስ ኤርትራ፡ ሰላምን ልዕልና ሕግን ዝሰፈና ሃገር ምውሓስ ምዃኑ ዝሓበረ ኮሎኔል መሓሪ፡ ነዚ ንምስማር፡ ኣባላት ፖሊስ – ሕጊ ኣብ ምስፋን፡ ንብረት ህዝብን መንግስትን ኣብ ምዕቃብ፡ ከምኡ’ውን ገበናትን ሓደጋታትን ኣብ ምክልኻል ተጸሚዶም ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ተመሃሮ ኮሌጅ ድማ ብቐንዱ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ንቑሕ ተራኦም ከዕዝዙ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ 2021 ብሓፈሻ 2,367 ሓደጋታት ከምዘጋጠመ፣ እዚ ምስ ናይ 2020 ክነጻጸር እንከሎ – ብ29 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ምስናይ ምኽንያታቱ ድሕሪ ምብራህ፡ ብሰንኩ ኣብ ሰብ 100 ሞትን ልዕሊ 1,300 መቚሰልቲን ከምዝሰዓበ፡ ኣብ ንብረት ድማ ኣስታት 16 ሚልዮን ናቕፋ ዕንወት ከምዝወረደ ኣረዲኡ።

ተመሃሮ፡ ኣብ ከባቢ ኮሌጅ ዘጋጥም ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምጉዳል፡ ፍጥነት
ተሽከርከርቲ ዝግድብ ታቤላ ክትከል፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣማእዛኒ ሰሚናራት ድማ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

Categories