ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ነበርቲ ብሓፈሻ፡ ናይ ዝተጸገማ ስድራ-ስዉኣትን ስንኩላንን ድማ ብፍላይ ንምምሕያሽ ብዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ንዝርከባ 3 ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ዝውዕል፡ 135 ሽሕ ናቕፋ ዝትመን ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ ብ45 ሽሕ ናቕፋ ንመጠነ-ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈት ዘገልግል ባንኮ ምዃኑ ዝጠቐሰት ተጸዋዒት ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ወይዘሮ ሃና ዑስማን፡ ሰሪሐን ህይወተን ኣብ ምልዋጥ – እወታዊ ድርኺት ከምዝህልዎ እምነታ ገሊጻ።

ሓገዝ ዝተገብረለን ስድራ-ስዉኣት፡ ስለ’ቲ ብህዝብን መንግስትን ዝግበረለን ዘሎ ደገፍን ናብዮትን ምስጋናአን ኣቕሪበን።

Categories