ሃማመተኤ ዞባ ሳዋ ዝወደቦን ንክልተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐን፡ ‘ቅነ መንእሰያት ኣባላት 34 ዙርያ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርት ስነ-ኪነት’፡ ብ26ን 27ን ለካቲት ተዛዚሙ።

እቲ “ንቑሕ መንእሰይ ኣብ ወሳኒ መድረኽ” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መደብ፡ ብቐንዱ ኣብ ትምህርታውን ስነ-ጥበባውን መዳያት ዘተኰረ ውድድራት ዝሓቘፈ ምንባሩ ዝጠቐሰ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ‘ማሞስ’ መንእሰይ ሓሰን መሓመድ-ኑር፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕ፡ መደረ፡ ቅዲ ክዳን፡ ድራማ፡ ከምኡ’ውን ያታውን ዘመናውን ትልሂታት ዘጠቓልል ትሕዝቶ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ዕላማ’ቲ መደብ፡ መንእሰያት እናተዘናግዑ ተውህቦኦምን ዝንባለኦምን ዝፍትሹሉን ዘለልዩሉን፡ ከምኡ’ውን ተመኲሮታት ዝለዋወጡሉ ባይታን ዕድልን ምፍጣር ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

ምክትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሌተና ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል፡ ተሳተፍቲ በዚ ከይተደረቱ፡ ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ስሞምን ስም ሃገሮምን ንምጽዋዕ ክጽዕሩ ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብኣሃዱን ብውልቅን ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories