ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ምዕሩይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብምስፋሕ – ርትዓውን ስሉጥን ኣገልግሎታት ንምርግጋጽ፡ ንኣባላት ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓትን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ካብ 15 ክሳብ 17 ለካቲት ኣብ ከተማታት መንደፈራን ደቀምሓረን ዝተዋህበ ስልጠና፡ ብቐንዱ ኣብ ምምሕያሽ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምትሕልላፍ ዋንነት ኣባይቲን ምግማት ክብሪን ዘተኰረ ኮይኑ፡ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ሓደ ቅጥዒ ንክኽተላ ዝሕግዝ እዩ።

ኣሰልጠንቲ እውን፡ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስሉጥ ኣገልግሎት ብምትእትታው፡ ዝጸንሐ ሕጽረታት ንምፍዋስን ተገልገልቲ ዝዓግቡሉ ኣገልግሎት ንምርግጋጽን ከም እተወደበ ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፡ ግዜ ዝወስድ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት እውን ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክኽተላ ብምጽንሐን፡ ብተገልገልቲ ቅሬታ ይቐርብ ምንባሩ ዝጠቐሱ ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ተገልገልቲ ዝዓግቡሉን መንግስቲ ኣታዊታቱ ዘዕብየሉን ባይታ ክፍጠር ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ሰልጠንቲ – ዘይተደልየ ምድንጓያትን ምምልላስን ዝፈጥሩ ናይ ኣሰራርሓ ጉድለታት ንምእራምን ንምውጋድን ክጽዕሩ ኣተሓሳሲቡ።

Categories