ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ኣብ መንጎ መማህራን፡ ተመሃሮን ኣለይትን ዘሎ ዝምድና ብምድልዳልን ሕጽረታት ብምፍዋስን፡ ተመሃሮ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ሒዞም ንኽወጽኡ ብዝለዓለ ከምዝሰርሕ፡ ብ19 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ርእሳነ-መማህራን ዓውደስልጠናታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ መማህራንን ተመሃሮን ኣብ ግዜኦም ስለዝተረኽቡን ጽፉፍ ምድላዋት ተገይሩ ብምጽናሑን፡ ሎሚ ዓመት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዝተመደበሉ ግዜ ከምእተጀመረ፣ ውህደት ኩሎም ኣካላት ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ድማ ካብ’ቲ ቀንዲ ብልጫታት ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

ዳይረክተር ‘ማሞስ’ መምህር ተስፋይ ተወልደ፡ መምህር – ውፉይን ግዱስን ብምዃን፡ ደረጃ ብቕዓትን ዓወትን ተመሃሮኡ ክልክዕ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝርከብ ብቕዓት ሰልጠንቲ ዝያዳ ንምብራኽ፡ ውሁድ ጻዕርን ተሳትፎን ናይ ኩሎም መሻርኽቲ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

መማህራን ብወገኖም፡ ንግብራዊ ትምህርቲ ዘገልግል ንብረት ብኣጋ ክቕረብ፣ ተመሃሮ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዋ ትካላት ግብራዊ ልምምድ ከካይዱ ዕድል ክፍጠረሎም. . . ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት – ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ መማህራን ኪኖ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ተመሃሮኦም ብባህልን ስነ-ምግባርን ሕብረተ-ሰቦም ተዀስኲሶም ንኽወጽኡ ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብንቕሓት ክጽዕሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብ120 መማህራን ስሩዕ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘሰላስል ዘሎ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ 23,137 ተመሃሮ ብ12 ዓውደ-ሞያታት የሰልጥን ኣሎ።

Categories