ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ዝጸንሖ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ሓድሽ ዓውድታት ኣገልግሎት ንምጅማርን ዝሕግዞ ዘመናዊ መሳርሒታት ኣተኣታትዩ።

ሜዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶ/ር ተስፋስላሴ እዮብ፡ ሕጽረት ምስትንፋስን ድኻም ልቢን ንዘለዎም ቈልዑ ዘገልግል መሳርሒታት፡ ከምኡ’ውን ኣልትራሳውንድን ምዕቡል ኤክስረይን ብምትእትታዉ፡ ውጹዓት ደቂሶም ዝሕከሙሉ ሓድሽ ክፍሊ ከምእተዳለወ፡ በዚ ድማ እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ብኣኡ መንጽር ከምዝሰፍሐ ኣረዲኡ።

ኣብ ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ስነ-ኣእምሮ፡ መርመራ ዓይኒ፡ ክትትል ሕማማት ቲቢ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስ፡ ጸቕጢ ደም፡ ሽኮርን ልብን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ላቦራቶሪን ፋርማሲን ከምዝወሃብ ዝጠቐሰ ዶ/ር ተስፋስላሴ፡ ኣብ ሕክምና ዓይኒ ዘሎ ሕጽረት መሳርሒታት እውን ክማላእ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪት ሆስፒታል ሓዝሓዝ ሲስተር ህይወት ገብረዝጊ፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዝሰርሓ ሞያውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ካብ ስራሕ ንኸይበዂራ፡ ምስ ሃማደኤ ዞባ ማእከል ብምትሕብባር ዝተዋደደ – መሰረታዊ መሳርሒታት ዝዓጠቐ መውዓሊ ህጻናት፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጻ።

Categories