ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝርከብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት፡ ብዝግባእ ተዓቂቡ ኣብ መዓላ ህዝብን ሃገርን ንኽውዕል ዝያዳ ኣድህቦ ክወሃቦ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ዓንሰባ – ሓላፊ ጨንፈር መጽናዕትን ምክትታል ጸጋታት ቱሪዝምን ኣቶ ፍስሃ ሃብተ፡ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ጥንታዊ ኣሰራት፣ ፍሉይ ቅዲ ዘለዎም ህንጻታት፣ ዛዛሚ ግጥም 2ይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደሉ ጥንቁለሓስ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መሪር ግጥማት ዝተኻየደሉ ድፋዓት፣ ህይወታዊ ብዙሕነት፣ ከምኡ’ውን ጥንታዊ ኣድባራት ከምዘሎ – እዚ ብዝግባእ ምስ ዝዕቀብ፡ ኣብ መጻኢ ዓቢ ቊጠባዊ ረብሓ ክርከቦ ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።

ብትኪ-ኣልቦ ኢንዱስትሪ ዝፍለጥ ጽላት ቱሪዝም፡ ንበጻሕቲ ድልው ቅድሚ ምዃኑ ክስርሑ ዝግብኦም ሓያሎ ነገራት ከምዘለዉ ጠቒሱ ድማ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሕብረተ-ሰብ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጸጋታት ብግቡእ ክፈልጦ፡ ክሕልዎን ክከናኸኖን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብዝግባእ ዘይተለለየ ብዙሕ ጥንታዊ ኣሰራትን ታሪኻዊ ቦታታትን ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ፍስሃ፡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ንምውጋድ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ምብራኽ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ብሰፊሑ ከም ዝስራሓሉ ገሊጹ። ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብ ዓለማዊ ውርሻ ንምምዝጋብ፡ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሓሉ ከምዘሎን፡ ኣብ ቀጻሊ’ውን ካልኦት ጸጋታት ኣብ ምልላይ ክዕየ ምዃኑን ሓቢሩ።

Categories