ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ዝወሃብ ሽልማት ‘ታምፌዳ’፡ ተወዳዳርነት ተመሃሮ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተሓበረ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020 ኣብ ሃገራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ልዕሊ 85 ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ሽልማት ታምፌዳ ኣብ ዝተዓደለሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ብ24 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ሓላፊ ምክትታል ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ መንእሰይ ሱሌማን ዮሱፍ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓመተ-ትምህርቲ፡ ብደረጃ ዞባ 82 ተመሃሮ ብሉጽ ነጥቢ ብምምዝጋብ ተሸለምቲ ከምዝኾኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ናይ ሽልማት መደብ፡ ቅጥዕታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ብዘኽብር ኣገባብ፡ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ክካየድ ከምእተወሰነ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ በብደረጃኡ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ዝግበር ምትብባዕ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንተሸለምቲ ዝህቦ ፍናን፡ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ቅዱስ ቅንኢ ዘሕድርን ናይ ተውዳዳርነት መንፈስ ዘዕብን ምዃኑ ብምምልካት፡ ተሸለምቲ – እቲ ዓወት ውጽኢት ጻዕሮም ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ዝያዳ ክጽዕሩ ተላብዩ።

ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ የማነ መሓሪ፡ እዚ ዓመታዊ ንተመሃሮ ዝወሃብ ሽልማት’ዚ፡ በብትካላቱ እውን እንተዝተኣታቶ፡ ኣብ ኣፍራይነት ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ የማነ መሓሪ፡ እዚ ዓመታዊ ንተመሃሮ ዝወሃብ ሽልማት’ዚ፡ በብትካላቱ እውን እንተዝተኣታቶ፡ ኣብ ኣፍራይነት ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።

Categories