ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ገዲም ተቓላሳይን ኣብነታዊ መራሒን ሓርበኛ ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ29 ታሕሳስ 2021 ተሰዊኡ።

ኣብ 1964 ናብ ሰውራ ዝተጸንበረን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮሚሽነር 4ይ ክፍሊ ኮይኑ ዘገልገለን ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ እዩ።

ካብ 83 ዓመታት ዕድመኡ እተን 57 ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነትን ህንጸት ሃገርን ዘሕለፈ፡ ውፉይን ብኣርኣያነት ዝጥቀስን መራሒን ዝነበረ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዋና ጸሓፊ ብምዃን ን10 ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ ምምስራት ክፍሊ ፍትሒ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሕ ተራ ዝተጻወተን ናይ ፈለማ ሓላፊ ናይ’ቲ ክፍልን ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ሚኒስተር ፍትሒን ብምዃን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለን ብኣርኣያነት ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ።

ኣቦ 6 ደቂ ዝዀነ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ብዝነበሮ ጥዕናዊ ጸገም ኣብ ካርቱም – ሱዳን ሕክምናዊ ናብዮት እናተገብረሉ እዩ ተሰዊኡ።

መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ብመስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒን ገዲም ተቓላሳይን ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብሉ።

ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ቀጻሊ ክወሃብ እዩ።

Categories