ዮናስ ፋፋ- ኣለዎ ሓለፋ
ሎሚ ኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዒድ ኣል ኣድሓ- ናይ ሓደ ከኾብ ዝኾነ ብሉጽ ሰብ መደብ ኣአንጊዳ። ከኾብነቱ- ብኹሉ እዩ። ሰብኣዊ ክብሪ ብምውናኑ ከኣ ሓለፋ ክብሪ የውህቦ። ፈቃር እዩ፡ ፈታው ሰብ። ለጋስ እዩ ሓልዮት ዝመልኦ ሰብነቱ። ንስድራኡ ገረባብቱ መተዓብይቱ መጻውቱ ኮታ ንሰብ ንኹሉን ብሓደ ዓይኒን ዘይጎድልን ሚዛንን ዘኽብር ክቡር ሰብ። መለልይኡ እዩ። ፈቃር ምዃን ትዕድልቲ ግዲ ኮይኑ ተፈጢሩዎን ኣስተማቕሪዎን ንምባል ዘድፍር እዩ። ፈታው ህዝቡን ሃገሩን። መኽበር ሰብን ሓላዪን።
ሓደ ካብ ብሉጻት ስፖርተኛ እዩ ኔሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ሓደ ካብ ብሉጻት ዓለምቲ! ሓያለ ዋናጩ ወሲዱ ኣሎ። ዝተፈላለየ እዋን ሻምፕዮን ኮይኑ። ንሓያለ ስፖርተኛታት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብጺሑ። ልዕሊ እዚ ግን እቲ ኣብ ምሕጋዝን ምድግጋፍን ጽጉማት ስድራቤት ዘካይዶ ስራሕ ዝያዳ ክብሪ የውህቦ። ሓጋዚ ተደጋጋፊ ብጉስ ዕጉስን ሓላልን እዩ። ዮናስ ምሕረትኣብ- ፋፋ! ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ። መጻኢኡ ብሉጽን ዕዉትን ክኸውን ከኣ ምረቓ ናይቶም ቁሊሕ ዝብሎም ዜጋታት እዩ። @Tesfalem Gebreslaseie Gebremariam

Categories