ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ተበጻሕነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መነባብሮ ህዝቢ መሰረታዊ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ትካላት ጥዕና፡ ቀረብ ማይ፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያን ካልእን ስሩዕ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ማሕሙድ – እዚ ኣብ ምጥርናፍ ዓድታት ሓጋዚ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ህዝቢ ብጸሓያዊ ጸዓትን መቶረታትን ካብ ዝሰርሓ ዒላታት ይሰቲ ብምህላዉ፡ ዘመናዊ ፕሮጀክት ብምውዳድ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ዕቱብ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ተሓጺሩ ዝነበረ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ብዝተኻየደ ጻዕሪ – ካብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ’ተን 8 ትካላት ጥዕና ተኸፊተን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፣ ንቕሓት ህዝቢ እናበረኸ ምስ ምምጻኡ ድማ ተርእዮ ሕማማት ከምዝነከየ ኣብሪሁ።

ትምህርቲ ኣብ ዝምልከት፡ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎት ዝህባ 41 ኣብያተትምህርቲ ከም እተሃንጻን፡ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣርሕየን ምህላወንን ገሊጹ።

Categories