ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ብዓውድታት ቴክኖሎጂ ማሽናት ስራሓት ሓጺን፡ ከምኡ’ውን ጽገና ኮምፕዩተርን ምዝርጋሕ መርበባትን ንክልተ ዓመት ዘሰልጠነቶም 32 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 94 ተመሃሮ፡ ትማሊ 1 ሓምለ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።

ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ራጉኤል ተኽለ፡ ኣቐዲማ ብ‘ፓቮኒ ተክኒካል ኢንስቲትዩት’ ትጽዋዕ ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ካብ 1996 ክሳብ 2004 ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃሮ እናተቐበለት ብኣድቫንስድ ዲፕሎማ – 151 ተመሃሮ ብማሽን ቴክኖሎጂን ኮምፕዩተር ቴክኖሎጂን ከምዘመረቐት ገሊጹ።

መምህር ራጉኤል ኣስዒቡ፡ ብዝተገብረ ዳግመ ውደባ፡ ካብ 2011 ንነጀው፡ ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል 10ይ ክፍሊ ዝዛዘሙ ተመሃሮ እናተቐበለት፡ ንኽልተ ዓመት ብደረጃ ሰርቲፊኬት ተሰልጥን ከምዘላ፡ በዚ መሰረት ከኣ፡ 102 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 372 ተመሃሮ ኣመሪቓ ናብ ስራሕ ዓለም ከምዘዋፈረት ኣብሪሁ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምቁጽጻርን ምርግጋጽን ብቕዓት ስልጠና ኣቶ መዓሾ ገብረትንሳኤ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ እምነ-ኩርናዕ መደባት ልምዓት ስለዝዀነ፡ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርቲ ዓቢ ቈላሕታ ተዋሂቡዎ ገዚፍ ወፍሪ ይግበረሉ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ዝተመደቡሉ ቦታ ብትግሃት ክሰርሑ ተላብዩ።

ሰረት ዘትሕዞም ብቑዕ ኣካዳሚያውን ቴክኒካውን ትምህርቲ ቀሲሞም ይወጽኡ ምህላዎም ዝገለጸ ወኪል ተመሃሮ፡ ኩሉ’ቲ ካብኦም ዝሕተት ብተወፋይነት ክፍጽሙ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጹ።

Categories