ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል፡ ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ንምውሓስ፡ ዓበይቲ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ክፍሊ ወኪል ጨንፈር ጽሩይ ዝስተ ማይ ኢንጂነር ኣቤል ክፍላይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ናጽነት ብድምር ኣስታት 34 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ማይ ዝሕዛ ዲጋታት ዓዲ-ሸኻ፡ ማይ-ስርዋ፡ ቫሊኔኪ፡ ዒላ-ናህብን ማይ-ነፍሒን ከምዝነበራ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ 14 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ማይ እትሕዛ ዲጋ ቶኮር ስለዝተሃንጸት፡ መጠን ማይ ዲጋታት 48 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ከምዝበጽሐ ብምሕባር፡ ጠቕላላ ዓቕሚ መጻረዪ ማይ ድማ ንመዓልቲ 44 ሽሕ ሜተር ክዩብ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ቅድሚ ናጽነት ካብ ዝተሃንጻ ዲጋታት ናብ ከተማ ኣስመራ ዝዝርጋሕ ዓበይቲ መገብቲ መስመራት ኣሪጉን ዓንዩንን ስለዝነበረ፡ ካብ 100 ክሳብ 350 ሚሊ-ሜተር ሰንጣቒት ብዘለዎን 45 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱን መስመራት ከምእተተክአ ዝገለጸ ኢንጂነር ኣቤል፡ ካብ ዲጋ ቶኮርን ንዕኡ ዘገልግል መጻረዪ ማይን እውን ካብ 200 ሚሊ-ሜተር ክሳብ ሰለስተ ርብዒ ኢንች ሰንጣቒት ዘለዎ ኣስታት 160 ኪሎ-ሜተር መስመር ማይ ብናይ ፕላስቲክ ሻምብቆታት ከምእተቐየረ ብዝርዝር ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ምዕዳል ጤሳ ኣብ ከባቢ ኣስመራ፡ ኣብ ዓድታት ዓዲ-ሰጒዶን ዳዕሮቃውሎስን ብልዕሊ 20 ሚልዮን ናቕፋ ብዝተዋደደ ፕሮጀክት ተጠቀምቲ መስመር ጽሩይ ማይ ክኾና ከለዋ፡ ልዕሊ 51 ሽሕ ህዝቢ 10 ዓድታት ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ’ውን ብመዐደሊ ነቝጣታት፡ ካብ ዲጋ ማይ-ነፍሒ ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከምዝበቕዐ ኣነጺሩ።

ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል፡ ካብ 2017 ክሳብ 2021 እቲ ክፍሊ ምስ ፕሮጀክት ዓዲ-ሃሎ ብምውህሃድ ቀረብ ጽሩይ ማይ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ንምውሓስ ብልዕሊ 31 ሚልዮን ናቕፋ፡ ምትካል ካብ 150 ክሳብ 1,200 ሜተር ኲብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለወን 21 ዓበይቲ ኣጋንእን፣ ከምኡ’ውን ምዝርጋሕ ዓበይቲ መስመራትን ሞተረታትን ከምእተኻየደን ኣስታት 180 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ከምዝኾነን፡ ኢንጂነር ኣቤል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ቀረብ ማይ ከተማ ኣስመራ ንምውሓስ እዚ ዝተጠቕሰ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት’ኳ እንተተተግበረ፡ ኣብ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ሚዛን ገና ስለዘይተመዓራረየ፡ እቲ ጸገም መሰረታዊ ፍታሕ ክሳብ ዝረክብ፡ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ፡ ካብ’ቲ ክፍሊ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

Categories