ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ – ከተማታት ኦክላንድ፡ ወሊንግተንን ክራይስትቸርችን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲድኒ – ኣውስትራልያ፡ “ወትሩ ንኹሉ ድሉዋት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ – መበል 30 ዓመት በዓል ናጽነት ብድሙቕ ኣገባብ ጸምቢሎም።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክልታት ዕድመ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረኮምን ህዝባውያን ውዳበታትን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብናይ ዮሃና መደረታት፡ ሰሚናራት፡ ከምኡ’ውን ስፖርታውን ባህላውን መሰናድኦታት ዝተሰነየ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ ብማንዛ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ 24 ግንቦት – ህዝቢ ኤርትራ ዝተመንዝዐ መሰሉ ብደሙ ዘረጋገጸላ ዕዝዝቲ ዕለት ምዃና ብምጥቃስ፡ መድረኻዊ ተልእኾ ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ትስፉው መዋእል ንምስማር፡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ማሕበረኮማት ድማ ብፍላይ መሳርዐን ኣደልዲለን ንጥፈታተን ከሐይላ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከተማ ሲድኒ – ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ጽምብል፡ ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኣቶ ሳምሶን ኣማኑኤል፡ ከምኡ’ውን ኣደ-መንበር ጨንፈር ሃማደኤ ነቲ ዕለትን ርዝነት ትርጉሙን ዝምልከት መደረ ከስምዑ እንከለዉ፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ወኪል ከንቲባ ከተማ ሲድኒን ድማ ናይ ዮሃና ቃል ኣቕሪቦም።

Categories