ፕረዚደንት ፊሊፒንስ – ሮድሪጎ ዱተርተን ፕረዚደንት ጆርጅያ – ሳሎመ ዞራቢቺቪሊን፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ፡ ብስሞም፡ ከምኡ’ውን ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ዮሃናኦም ድሕሪ ምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣስዒቦም፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶምን ኤርትራን ሕውነታዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዘለዎም ሰናይ ድሌትን ድሉውነትን ኣረጋጊጾም።

Categories