ትማሊ 3 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 37 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ 32 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 5 ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሳባ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 3 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – 5 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 4182 በጺሑ ኣሎ። 3,860 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 308 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 03 ሰነ 2021

Categories