ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ከርከበት ዘለዋ ምምሕዳራት ከባቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽባ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝሰላሰል ዘሎ መደባትን ገስጋሱን ንምዕዛብ፡ ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ዑደት ኣካዪዱ።

እቲ ዑደት፡ ካብ ኣማላይት ተበጊሱ ክሳብ ሓራናይት ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ህንጸት ጽርግያ፣ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሎካይብ፡ ኣታይ፡ ኣግማይትን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኣታቶ ዘሎ ፕሮጀክታት ቀረብ ዝስተ ማይ፣ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣታይ፡ ኣግማይትን ኣካይደን ኣብ ምጽፋፍ ዝበጽሓ ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ ኣታይ ዝበጋገስ ዘሎ ንጥፈታት ኮማዊ ጀራዲን፣ ከምኡ’ውን ንጥፈታት መደበራት ጥዕና ሎካይብን ኣግማይትን ዘጠቓለለ ነይሩ።

እቲ ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ንጥፈታት፡ ብውህደት ፕሮጀክታት ዓዲሃሎ፡ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽባርካ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ከርከበትን ህዝቢ’ተን ተጠቀምቲ ከባቢታትን እዩ ዝሰላሰል ዘሎ።

ነቲ ስራሕ ዝከታተሉ ዘለዉ ኣካላት፡ እቲ ከባቢ ምስ ዘለዎ ራሕቅን ባህርያዊ ብድሆታትን፡ ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክትታት፡ ዝርጋሐ ኣገልግሎት ኤሪ-ተልን ትካላት ጥዕናን ፍሉይ ጠመተ ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣምባሳደር ማሕሙድ ምስ ተግበርቲ ናይ’ቲ ስራሕን ወከልቲ ህዝብን ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ፡ እቲ መደብ ኣብ ምዕባለ’ቲ ከባቢ ንዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብምጥቃስ፡ ኣብ እዋኑ ንኽዛዘም፡ ብወገን ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዘድሊ ምትሕብባር ከምዝግበር ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ዑደት፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ጃብራ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ምምሕዳር ዞባ ጋሽባርካ ኢንጂነር እድሪስ ኢብራሂም፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ ዝርከብዎም ሓለፍቲ ተሳቲፎም።

Categories