ዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ፡ ምስተን ዝውክለን ኩባንያታት ርክቡ ብምድልዳል ዕማማቱ ብዝለዓለ ንምፍጻም ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ግርማይ ኣብርሀ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1984 ዝተመስረተ ዓንበርበር ሼር ካምፓኒ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1992 ብሓድሽ ውዳበ ከም ዝጀመረ፡ ካብ 1996 ኣትሒዙ ድማ ከም ወኪል ኩባንያታት ጃፓን – ቶዮታ፡ ያማሃን፡ ኮማትሱን ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ገሊጹ።

ቀንዲ ዕማም ዓንበርበር ሼር ካምባኒ፡ ካብ ኩባንያ ቶዮታ ፍርያት መካይን፣ ካብ ኩባንያ ያማሃ ናይ ጀላቡን ማይን ሞተረታት፣ ካብ ኩባንያ ኮማቱስ ድማ ማሽነሪታትን መቀያየሪ ኣቑሑን – ናብ ሃገር ብምእታው ንመሸጣ ምቕራብ፣ ከምኡ’ውን ኩሉ-እንትናዊ ጽገናታት ምግባርን ተክኒካዊ ምኽሪ ምሃብን ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

ተበጺሑ ዘሎ ናይ ተሽከርከርቲ ቴክኖሎጂ ናብ ሕብረተ-ሰብ ምትሕልላፍ፡ ሓደ ካብ’ቲ ዕማማቱ ምዃኑ ኣቶ ግርማይ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ዓንበርበር ሼር ካምፓኒ ዝምደቡ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ኮሎጃት ብመካኒካል ኢንጂነሪንግን ኣውቶሞቲቭ ቴክኖሎጂን ከምኡ’ውን ካብ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዝተመረቑ ምዃኖም እውን ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ኣብ 175 ሃገራት ተዘርጊሐን ምስ ዝርከባ ወከልቲ ቶዮታ ዓመታዊ ኣብ ዝካየድ ውድድር ተሳቲፉ፡ ብርክት ዝበለ ምስክር ወረቐት ከምዝረኸበ ኣቶ ግርማይ ሓቢሩ።

Categories