ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ነበርቲ 6 ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ፋካይ፡ እቶታውነት ሕርሻ ንምዕባይ ዝዕላማኡ ማእቶት የሰላስሉ ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ፋካይ ኣቶ እድሪስ ዓሊ እድሪስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዋሕዲ ማይ ነበርቲ ርቡሕ ምህርቲ ከምዘይሓፈሱ፡ ነዚ ንምፍዋስ ድማ ኣብዚ ግዜ’ዚ መሬቶም ኣብ ምዝላይን ከትርታት ኣብ ምስራሕን ብልዑል ተበግሶ ይነጥፉ ምህላዎም ገሊጹ።

እተን ዓድታት ኣብ ሰሙን 4 መዓልታት ብምውፋር ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ዘካይዳኦ ዘለዋ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ናይ ምዝላይ ንጥፈታት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበረሉ – ዛጊት ድማ ልዕሊ 350 ሄክታር ከምእተዛለየ ኣረዲኡ።

Categories