ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ንኡስ-ዞባ ጎልጅ፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሽግራት ሕብረተ-ሰብ ንምቅላል ኣብ 16 ምምሕዳራት ከባቢ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ን238 ጽጉማት ስድራ-ቤታት ኣጣይሱ።

እቲ ምጥያስ ን230 ስድራ-ቤታት ብካሮሳታት፡ ን8 ስድራ-ቤታት ድማ ንነፍሲ-ወከፈን 10 ሽሕ ናቕፋ ዝዋጋአን ጤለ-በጊዕ ምዃኑ ዝጠቐሰት – ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ንኡስ ዞባ ጎልጅ ወይዘሮ ደሃብ ዮሴፍ፡ ቀጻሊ ብዝግበር ዘሎ ምጥያሳት ጽጉማት ስድራ-ቤታት ሰሪሐን መነባብሮአን ዝመርሓሉ ዕድል ይረኽባ ምህላወን ሓቢራ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝወደቦ ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ ኣብ ኣተኣላልያ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ዝተፈላለየ ጸገም ዘለዎም ዜጋታትን ዘተኮረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ዕላማ’ቲ መደብ ክሳብ ምምሕዳራት ከባቢን ዓድታትን ዝወርድ ኣወዳድባ ሽማግለ ኮማዊ ሰረት ተሃድሶን ልምዓትን ብምቛም፡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ካልእ ጸገማት ዘለዎም ዜጋታትን ኣብ ከባቢኦም ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኽብሉ፡ ዝጥወርሉን ዝሕገዝሉን ባይታ ንምፍጣር እዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚንስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ተስፋገብርኤል ገብረስላሴ ብወገኑ፡ ኣማሓደርቲ ከባቢ ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎምን ዜጋታት ኣለልዮም ዝሕገዝሉ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ንዝምልከቶ ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍን ክነጥፉ፣ ኩሎም ዝወሃቡ ሓገዛት መሰረታዊ ፍታሕ ብዘምጽእን ናይ ስራሕ ልምዲ ብዘጥርን ኣገባብ ክትግበሩ ተላብዩ።

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ ኣቶ ግደ እስቲፋኖስ ድማ፡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ጽጉማትን ምሕጋዝ ንዝተወሰኑ ኣካላት መንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ሕብረተሰብ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብር ኣዘኻኺሩ።

Categories