ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብምኽንያት 1 ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ልዕሊ 300 ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ ወፈራታት ልምዓት ተሰላሲሉ።

ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝቐጸለ ወፈራታት፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ዓዲ-ሓረ ኣብ ዝርከብ ሕሩም ሕዛእቲ፡ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ስርሓት ከምእተኻየደ፡ ሓላፊ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተኸስተ ምሕረትኣብ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ሓረ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ ምግራብን ዘካየድዎ ንጥፈታት፡ ውጽኢቱ ክርእይዎ ከምዝበቕዑ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ዑቕባይ ይከኣሎ ሓቢሩ።

እቶም ነበርቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሮም፡ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እናወፈሩ ንፍግረ-መሬት ዝተቓልዐ ቀላጥ ቦታታት ብምዝላይ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንዝተተኽለ 1,500 ፈልስታት ብምንባይ – ዕቱብ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ ኣቶ ዑቕባይ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ዝርከባ 67 ዓድታት ኣብ ንጡፍ ማእቶት ከምዝርከባ ብምሕባር፡ ዘሎናዮ ወቕቲ ኣዝመራ ብምዃኑ፡ ሓረስቶት ምድላዋቶም ብኣጋ ከጻፍፉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝርከባ ትካላት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ተመሳሳሊ ወፈራታት ልምዓት ኣሰላሲሎም።

ኣብ’ቲ ካብ 18 ክሳብ 25 ሚያዝያ ዝተሳለጠ ስራሕ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰራሕተኛታት በዓልመዚ ወደብ፡ ፋብሪካ ስሚንቶ ገደም፡ መፍረ ጨው ሳሊና፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ፡ ፋብሪካ ፕላስቲክ ኤርትራ፡ ፋብሪካ ፕላስቲክን ታኒካን፡ ከምኡ’ውን ማእከል ስልጠና ሰራሕተኛታትን ሆቴል ቀይሕ ባሕርን ተሳቲፎም።

በቲ መደብ፡ ኣብ ቀጽሪ ትካላት፡ መቓብር ሓርበኛታት እምኩሉን መቓብር ሰማእታት ሳሊናን፡ ምግራብን ምዂስኳስ ኣግራብን ዘጠቓልል ንጥፈታት ተኻዪዱ።

Categories