ኣብ ሚኒስትሪ ህንጻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምዕባለ ከተማታት – ገዲም ተጋዳላይ – ኢንጂነር መድሃኔ እስቲፋኖስ፡ ብ23 ሚያዝያ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1976 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ – ኢንጂነር መድሃኔ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ኮሚሽን ህንጻ ውድብ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ፈለማ ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ቀጺሉ ድማ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ሚኒስትሪ ህንጻ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ – ኢንጂነር መድሃኔ እስቲፋኖስ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኢንጂነር መድሃኔ፡ ሰንበት 25 ሚያዝያ ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ህንጻ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ – ኢንጂነር መድሃኔ እስቲፋኖስ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories