ንሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ኣብያተ-እምነትን ዳግማይ ስሩዕ ንጥፈታቱ ጀሚሩ ኣሎ። ዳግመ-ምኽፋት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ግን፡ ምቕንጣጥ ናይ’ቲ ዓለማዊ ሓደጋ ማለት ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዝዀነ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብፍላይ ድማ ኣብ’ተን ዳግም ኣገልግሎት ጀሚረን ዘለዋ ትካላት፡ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ‘ማስክ’፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ዘይምትንኻፍን ብጥብቂ ክትግበር ግድነት ይኸውን።

ተመኲሮ ሓያሎ ሃገራት ከምዘነጽሮ፡ ድሕሪ ምፍዃስ እገዳታት ዝርአ ሸለልትነት፡ ነቲ ሓደጋን ዳግመ-ምዕጻውን ዘቃልዕ ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ዝለዓለ ሓላፍነት ተሰኪሞም፡ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ጥንቁቓትን ዕቱባትን ክኾኑ ይግባእ።

ኣመሓዳሪ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስላሴ ቀሺ ተስፋስላሴ እስቲፋኖስን ካብ ኮሚተ መስጊድ ሼኽ ዓብደልቓድር ጀላኒ ኣቶ ዓብደላ ሂቡን፡ ብመንገዲ ወኪል ‘ኤሪና’ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ – ኣብያተ-እምነት ድሕነት ምእመናን ንምውሓስ ኣብ ምቁጽጻር እጃመን የበርክታ ከምዘለዋ፣ እንተዀነ ግን እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብምዃኑ – ምእመናን ኣብ ትግባረ ናይቶም ቅጥዕታትን መምርሒታትን ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኩባንያ ሓራት ዞባ ማእከል መንእሰይ ኣብርሃም ፍስሃገርግስ ብወገኑ፡ ኣብ ምውፋር ኣውቶቡሳት ዝርአ ስርዓት ዘይምሕላው ጠንቂ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ዝምልከቶም ኣካላት ቁጽጽሮም ከሐይሉ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ውልቀ-ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩን ብንቕሓት ክመላለሱን ተላብዩ።

ንዓመት መመላእታ ኣብ ምቁጽጻር ትግባረ ቅጥዕታት ምክልኻል ‘ኮቪድ-19’ ዝነጠፉ መንእሰያት መድሃኔ ገብረብርሃንን ኣቢሰሎም ብንያምን ድማ፡ ዜጋታት – ትግባረ መምርሒታት ምክልኻል ኮሮና ንረብሓኦም ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብግቡእ ከተግብርዎ፣ ስድራ-ቤታት ድማ ኣብ በቤተን ብዛዕባ ሳዕቤኑ ክዝትያን ኣብ ትግባረ’ቲ ቅጥዕታት ዕቱባት ክኾናን ኣዘኻኺሮም።

Categories