ትማሊ 28 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብዚኦም፡ 13 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 8 ኣብ ኣዲባራ፡ 2 ኣብ ዓሊግድር፡ ሓደ ኣብ ባረንቱ፡ ሓደ ኣብ ጎልጅ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኦምሓጀር ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

ዝተረፉ፡ 3 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ማለት 2 ካብ ጢዖ፡ ሓደ ካብ ዓሰብ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ደቡብ – ካብ ሰንዓፈን መንደፈራን፣ ሓደ ድማ ካብ ኣስመራ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 36 ኣብ ዞባ ጋሽባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 37 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 3659 በጺሑ ኣሎ። 3492 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 157 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 28 ሚያዝያ 2021

Categories