ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ዝወሃብ ስሩዕ ኣገልግሎት ሕክምናን ዝካየድ ወፍሪ ክታበትን፡ ጥሪት – ጥዕናአን ተዋሒሱ ዝህባኦ ምህርቲ ብዓይነትን መጠንን ክብ ንኽብል ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ቴድሮስ ገብረማርያም፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣስታት 360 ሽሕ ጥሪት ክህልዋ እንከለዋ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብናጻ ብዝህቦ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ክታበትን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ግዳማውን ውሽጣውን ሕማማት ናጻ ኮይነን ብጽቡቕ ይስስና ኣለዋ።

ሰብ ሞያ ጥዕና እንስሳታት ዝህብዎ ሞያዊ ምኽርን ኣስተምህሮታትን፡ ንቕሓት ወነንቲ ጥሪት ኣብ ኣገዳስነት ስሩዕ ክታበትን ካልእ ኣገልግሎታትን ኣብ ምብራኽ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ቴድሮስ፡ ቁጽሪ ናይ’ቶም ጥሪቶም ብስሩዕ ዘኽትቡን ካልእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡን ወነንቲ ጥሪት እናዓበየ ምምጽኡ፡ መርኣያ ናቱ ምዃኑ ኣረዲኡ። ጥሪት ዝግልገላሉ መግሃጫታትን ሕዛእትታትን ምኽላል፣ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምስልሳል፣ ከምኡ’ውን ከዘንቲ ማይ ምህናጽ፡ ጐድኒ-ጐድኒ እቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ክትግበሩ ድማ ተላብዩ።

ሓረስቶት ብሓፈሻ ወነንቲ ጥሪት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጸጋታት ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀሙሉን ኣብ እዋን ቀውዒ ሳዕርን ተረፍ ምህርትን ናይ ምእካብ ልምዲ ከማዕብሉን ብምዝኽኻር ከኣ፡ ኣብ ጥሪት ብዛዕባ ዝረኣዩ ሕማማት ቅልጡፍ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ተላብዩ።

Categories