ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ኵነታት ቀረብ ማይ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻን ካልእን ንምዕዛብን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንምዝታይን፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣዶብሓን ናቕፋን ዑደት ኣካዪዳ።

ኣብ’ቲ ካብ 15 ክሳብ 21 ሚያዝያ ዝገበረቶ ዑደት፡ ወ/ሮ ኣስመረት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ – ምምሕዳር ከባቢ ድሪት ንዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ማይን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ምድጋግን ቀድሓትን ዝተሃንጻ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዔላ-ባቡ ዝተሃንጸት ሓዳስ መደበር ጥዕና ድሕሪ ምዕዛብ፡ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ጸገማት ምስ ርእሳነመማህራንን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዘትያ።

ብዘይካ’ዚ፡ ህዝቢ ካብ መጓሰን ሰበኽሳግማዊ ህይወትን ተላቒቑ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘካይደሉን ቀዋሚ መነባብሮ ዝመርሓሉን ባይታ ንምፍጣር፡ ኣስታት 90 ሄክታር ዘስቲ መእለዪ ውሕጅ ባድን ብዛዕባ ዝጽገነሉ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪባ።

ምስ ዓበይቲ ዓድን ኣነባበርትን ምምሕዳራት ከባቢ ድሪትን ዔላባቡን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ብምጥቃስ፡ ቈልዑ ናብ ቤትትምህርቲ ኣብ ምልኣኽ ዝርአ ዘሎ ድኽመት ንምፍዋስ፡ ዓበይቲ ዓድን ኣነባብርትን ጸላዊ ተርኦም ከበርክቱ ኣተሓሳሲባ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘሎ ትሑት ተሳታፍነት ንምዕባይ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ድልውነት ብምርግጋጽ፡ ኣብ መዳይ መራኸቢታት፡ መጓዓዝያን ጽርግያታትን ዘለዎም ጸገምት ክፍታሓሎም፣ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈታት በዅሩ ዝርከብ ከባቢታት ባድን ሕርሻዊ ንጥፈታት ክካየደሉ ድማ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ተላብዮም።

ወ/ሮ ኣስመረት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ምምሕዳር ከባቢ ኣግራዕ ዝርከባ ትካላት ቀረብ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርትን፣ ብህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፣ ምህናጽን ምጽጋንን መእለዪ ውሕጅ፣ ከምኡ’ውን ሆስፒታል ናቕፋን ንጥፈታቱን እውን ተዓዚባ።

Categories