ትማሊ 23 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብዚኦም፡ 4 ኣብ ኣስመራ፣ 4 ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3605 በጺሑ’ሎ። 3410 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 185 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 23 ሚያዝያ 2021

Categories