ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ባህርያዊ ሃብቲ ብምዕቃብ እቶት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ወፈራታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ዝዕመም ዘሎ ስራሕ፡ ኣብ ግራውትን ናይ መጋሃጫ ቦታታትን ኮይኑ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ከምኡ’ውን ምድልዳል፡ ምድኳዕን ምልስላስን ከምዘጠቓልል፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ዛጊት 1,735 ሄክታር ከምእተፈወሰ ዝሓበረ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መልኣከ ፍስሃየ፡ እቲ ስራሕ ክሳብ ምጅማር ክራማት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ኣስታት 15 ሽሕ ሄክታር ከምዝሕረስ ይፍለጥ።

Categories