ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ብዝተፈላለየ ዓውዲታት ሞያ ዘምሃረቶም፡ ኣብ መላእ ሃገር ተመዲቦም ብዝሰልጠኑሉ ሞያታት ልዑል ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤትትምህርቲ መምህር ምኡዝ ሃብተ ሓቢሩ።

መምህር ምኡዝ፡ ብ4 ዓውደ-ሞያታት ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ኣብ ሃገርና ፈላሚት ናይ ሞያ ቤት-ትምህርቲ ምዃና ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብ9 ዓውደ-ሞያታት – ማለት ኣውቶመካኒክ፡ ሓፈሻዊ ህንጻ፡ ሓፈሻዊ ንድፊ፡ ኤሌክትሪሲቲ፡ ኤሌክትሮኒክስ፡ ሓፈሻዊ ስርሓት ሓጺን፡ ሓፈሻዊ ጽርበት ሓጺን፡ ቅየሳን ሓፈሻዊ ስርሓት ዕንጸይትን፡ ከምኡ’ውን ኣካዳሚ ከምእተምህር ኣረዲኡ።

እታ ቤት-ትምህርቲ፡ ዓስራይ ክፍሊ ንዝወድኡ ተመሃሮ ተቐቢላ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምምሃር ብሰርቲፊኬት ከምእተመርቕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት፡ 1,943 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 5,453 ተመሃሮ ከምዘመረቐት ገሊጹ።

እቲ ትምህርቲ ክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ከምዘጣምር ዝሓበሩ መማህራን ኣምባሳጀር ኣማኑኤል፡ ኢንጅነር ዑስማን ኣማንን ኢንጂነር ፊልሞን ነጋሽን ብወገኖም፡ ወለዲ ዝምባለ ደቆም ብግቡእ ከለልዩ፣ ተመሃሮ ድማ ዝቐስምዎ ዘለዉ ሞያ ንምምዕባል ክጽዕሩ ተላብዮም።

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ኣብ 1954 ዝተመስረተት ናይ ሞያ ቤትትምህርቲ እያ።

Categories