ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 46 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብዚኣቶም፡ 18 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 6 ኣብ ጎልጅ፡ 5 ኣብ ኣዲባራ፡ 4 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ 3 ድማ ኣብ መንሱራ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

ዝተረፉ፡ 17 ካብ ዓሰብ – ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 7 ካብ ባጽዕ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 2 ካብ ዞባ ደቡብ – ሓንቲ ካብ ሰንዓፈ፡ ሓደ ካብ ዓዲ-ዃላ፣ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ኣስመራ፣ ሓደ ድማ ካብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባታት ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 46 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 3537 በጺሑ ኣሎ። 3334 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 193 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 19 ሚያዝያ 2021

Categories