ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ነበርቲ ሕሩ-ኳዜንን ከባቢኣን፡ ዝጸንሖም ሽግር ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ንምፍታሕ፡ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ራህያ ይሰርሑ ኣለዉ።

እቲ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሕ፡ ምንጪ ዝስተ ማይ ብምውሓስ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ከቢድ ጸገምን ሳዕቤናቱን ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑን ኣብ ደረጃ ምዝዛም በጺሑ ከምዘሎን ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንኣምን ኣቶ ፍረዝጊ ተላ፡ ብምምሕዳር ንኡስ ዞባ ንዝግበረሎም ዘሎ ደገፍን ምትብባዕን ሞጒሱ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ – ሓላፊ ምክትታል ምምሕዳራት ከባቢን ፕሮጀክትታትን ኣቶ እያሱ ሃይለ ብወገኑ፡ እታ 80 ሜትሮ ጎኒን 8 ሜትሮ ቁመትን ዘለዋ ራህያ፡ መስርሕ ህንጸታ ተዛዚሙ እኹል ማይ ምስ ኣዋህለለት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ብምፍታሕ፡ ልምዓት ጀራዲን ኣብ ምድንፋዕ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዋ እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ብዝወስድኦ ዘለዋ ተበግሶታት፡ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለወን ዲጋታትን ራህያታትን ይስራሓ ከምዘለዋ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories