ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርግጋጽ ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ 75 ሚእታዊት ካብ ዓድታት ናይ’ቲ ዞባ ጽሩይ ማይ ክሰትያ ከምዝበቕዓ ተገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኣቶ ተስፋማርያም ዮውሃንስ፡ ቅድሚ ናጽነት ካብ ከተማ ዓሰብ ወጻኢ ትሕተቅርጺ ቀረብ ማይ ስለዘይነበረ፡ ህዝቢ ኣብ’ቲ ብዓቕሙ ዝሰርሖ ባስካታት ማይ ዝናብ ኣዋህሊሉ ይጥቀም ምንባሩ ብምሕባር፡ ነዚ ጸገም’ዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዕቱብ ስጒምቲታት ከምእተወስደ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዞባ ንዓድታት ዘራኽብ ጽርግያታት ዘይምጽንሑ፣ ፋሕ ዝበለ ኣደዃኹና ዓዲታትን ውዑይ ኩነታት ክሊማን ከቢድ ብድሆ’ኳ እንተነበረ፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕሪ መንግስትን ሓያል ተሳትፎ ኮምን ውጽኢታውን እፎይታ ዝፈጠረን መደባት ከምእተተግበረ፡ ኣቶ ተስፋማርያም ብተወሳኺ ገሊጹ።

ነቲ ፕሮጀክትታት ንምዕዋት ብዝተኻየደ ልዕሊ 200 መሃንዲሳዊ መጽናዕታትን 150 ኲዕታን፡ 37 ብጸሓያዊ ጸዓት፡ 52 ብናይ ኢድ ፖምፓ፡ 5 ድማ ብሞተረ ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይ ክዋደድ እንከሎ፡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ኣብ ዘይተረኽቦ ከባቢታት ድማ፡ ንነዊሕ ግዜ ማይ ክዕቅባ ዝኽእላ 50 ባስካታት ከምእተሃንጻ፡ ከም ውጽኢቱ 75 ሚእታዊት ካብ ዓዲታት’ቲ ዞባ ጽሩይ ማይ ክሰትያ ከምዝበቕዓ ሓቢሩ።

ነቲ ዝተዋደደ ትሕተ-ቅርጺ ዝከታተሉን ዝጽግኑን ሞያውያን ኣብ ኩለን ዓድታት ብቐረባ ክህልዉ መሰረታዊ ብምዃኑ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ’ውን ብዕቱብ ከምእተሰርሐ ጠቒሱ ድማ፡ እቲ ፕሮጀክትታት ነዊሕ ኣገልግሎት ክህልዎ ምእንቲ፡ ህዝቢ ኣብ ምሕደራን ተጠቃምነትን ንዘርእዮ ዘሎ ውሕሉል ኣገባብ ብዝለዓለ ክደፍኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ እውን፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኢንገርነ – ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ዝጸንሖም ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ፍታሕ ብምርካቡ እፎይታ ረኺቦም።

ምንጪ ማዮም ብተደጋጋሚ እናተበላሸወ ስሩዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዘይጸንሑ፡ ብሰንኩ ድማ – ካብ ሩባ ባርካ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትዩ ይግደዱ ምንባሮም ዝጠቐሱ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ እቲ ምንጪ ብምትክኡ ጸገሞም ከምእተፈትሐ ገሊጾም።

ኣባል ኮሚተ ልምዓት ማይ ወ/ሮ ዛህራ ተኣምራት፡ ኢንገርነ ተረባሒት ናይቲ ካብ ኣቑርደት ዝምንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምዃና፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሓፈሻ፡ ኣብ ምርግጋጽ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ድማ ብፍላይ – ሩፍታ ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ዓድ-ማልክ፡ ኣዋድን ደረብን እውን ጽሩይ ማይ ክሰትዩ ከምዝበቕዑ ሓቢራ።

Categories