ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ፡ ጠለብ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ዝውዕል ኦክሲጅን ንምምላእ ዝተዋደደት ትካል፡ ዘድሊ ፈተነታት ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ስርሓ ብስሩዕ ጀሚራ።

እታ ትካል፡ ጠለባት ኦክሲጅን ናይ’ተን ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ኣብ ምምላእ ከይተሓጽረት፡ ንካልኦት ዞባታት እውን ክትቅርብ ዓቕሚ ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣቐዲሙ፡ ጠለባት ኦክሲጅን ናይ’ቲ ዞባ ብስሊንደራት ካብ ኣስመራ ይመጽእ ምንባሩ ዝሓበረ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶ/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ እዛ ሕጂ ስርሓ ጀሚራ ዘላ ትካል፡ ነቲ ጠለባት ብቐረባን ብዘይ ሃልክን ብምምላእ፡ ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ስሉጥነት ከምእተውሕስ ኣረዲኡ።

እታ ትካል ብዘይካ ኦክሲጅን፡ ኣብ ሕክምናዊ መዓላ ዝውዕል ካልእ ትሕዝቶ እውን ከምእተፍሪ ዝሓበረ ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ዞባ ኣብ ምምዕባልን ብቕዓቱ ኣብ ምርግጋጽን፡ ተራኣ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ክኢላ ሕክምና ህጻናት ዶ/ር ሳምሶን ኣባይ ብግደኡ፡ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሕሙማት ብሓፈሻ፡ ትሕቲ ክብደትን ኣብ ዘይመዓልቶም ዝውለዱን ናጽላታት ድማ ብፍላይ ልዑል ቀረብ ኦክስጂን ከምዘድልዮም ጠቒሱ፡ ሳላ’ዛ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ሆስፒታል ተተኺላ ዘላ ኦክሲጅን እተፍሪ ትካል፡ ን24 ሰዓታት ብዘይ ስክፍታ ክጥቀሙ በቒዖም ምህላዎም ሓቢሩ።

“ቀረብ ኦክስጂን ኣብ ትካል ጥዕና፡ ህይወት ንምድሓን መተካእታ ዘይብሉ እዩ” ዝበለ ዶ/ር ሳምሶን፡ ካብ’ቲ ቀንዲ ምንጪ ናብ’ቲ ሕሙማት ዝርከቡሉ ክፍሊታት መስመራት ተዘርጊሑ ብምህላዉ፡ ንኣገልግሎቶም ስሉጥን ኣድማዒን ከምዝገብሮ ኣረዲኡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሓደ መወከሲ ሆስፒታል፡ 4 ሆስፒታላት፡ 3 ኮማዊ ሆስፒታላት፡ 9 ማእከላት ጥዕና፡ 41 መደበራት ጥዕና፡ ከምኡ’ውን 2 ክሊኒክ ክንክን ኣደን ህጻንን ኣለዋ።

Categories