ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ፎርቶ ሳዋ፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተናኢዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ በብከባቢኡ ዝተዋደዱ ትካላት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ተንቀሳቓሲ ቴለፎንን ኣብ ህይወት’ቲ ከባቢ ዘለዎ እወታዊ ተራ ብምዝካር፡ ህዝቢ ብግቡእ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ዓብዱ ማሕሙድ እውን፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምስ ጻዕቂ ነበርቲ ዝመጣጠን ዝርጋሐን ደረጃን ናይ’ተን ትካላት ክብ ንምባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ነበርቲ ብግቡእ ክጥቀሙለን ዝካየድ ጐስጓሳት ውጽኢቱ ኣዝዩ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ 2ይ ደረጃ ዝዝርጋሓ 29 ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ መዳይ ጥዕና ድማ 2 ማእከላትን 3 መደበራትን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ ዝጠቐሰ ኣቶ ዓብዱ፡ ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ንኡስ ዞባ ፎርቶ ሳዋ፡ ሓንቲ ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ኮይና፡ ኣስታት 34 ሽሕ ነበርቲ ኣለውዋ።

Categories