ነበርቲ ዓዲ-ጉዕቦ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ከም ኣካል ምድላዋቶም ንክራማት፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምፍዋስ ማይኮዖታትን ዘተኰረ ወፈራታት የሰላስሉ ኣለዉ።

ዝነበሮም ሕጽረት ማይ ንምፍታሕ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ንዝሃነጽዋ ዲጋ ካብ ድበት ምክልኻልን ቀጻልነታ ምውሓስን ካብ ቀንዲ መደብ ናይ’ቲ ስራሓት ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ዓዲጉዕቦ ኣቶ ሃብቱ ጸጋይ፡ ማይ-ኮዖታታ ንምፍዋስ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ማእቶት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ እቲ ዓመት መጽአ በብውልቅን ብጉጅለን ዘካይድዎ ንጥፈታት፡ ኣብ ባይታ ርኡይ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ ገሊጾም።

ነበርቲ ዓዲ-ጉዕቦ ዝወሰድዎ ዘለዉ ተበግሶን ውጽኢቱን ንካልኦት ዓድታት ኣብነት ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣቶ ማእከለ ተስፋሚካኤል፡ እታ ወፈራዊ ስራሕ ከም ባህሊ ሰሪጹ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ዓዲ-ጉዕቦ፡ ካብ መንደፈራ ንሸንኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 10 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories